ውድብ ግን ንኸጥፍእዋ ዝመፁ ናይ ፊውዳል እኽብካብ ዝኾኑ ኣባላት ኢድዩ (EDU)፣ ካብ እግዚኣብሔር ዝተለኣኹ ምዃኖም ፈሊጣ ተነሲሃ ናብ ስልጣኖም ክትመልሶም ነይርዋ። ንሕና ደቂ ግራዝማቻት፣ ደቂ ፊተውራሪ፣ ደቂ ባራምባራስ … ብናይ ካልኦት ረሃፅ ደቂስና ምብላዕ ዝለመድና፣ ምስ ደቂ ዓዃይ ማዕረ ምግባራ ፈጣሪ ዘይፈትዎ ስራሕ ብምስራሓ ነብሳ ኣብ ላዕላይ ሰማይ ኣይመሓርን።
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ፍቃድ ብዘየገድስ፣ ንሕና ደቂ ምስለኔ ዝደለናያ ሑርማ ወደ እገለ፣ እንዳ እገለ ጓልኩም ሃቡና ኢሎምኹም ተባሂሉ እምቢ ተባሂልና ዘይንፈልጥ ህወሓት ማዕርነት ዝብል ባህልና ዘይፈቅዶ ኣካይዳ ኣምፂኣ፣ ክብሪ ደቂ መሳፍንቲ ብዘይፈልጣ ተማሂርና ኢና፣ ማዕረ ኢና ዝብላ ባህለን ዝረስዓ ሑርማታት ፈጢራ ጉድ ገይራትና። 😁😜